#ከምዚ_ኢልካ_ንውድብካ_መሲልካ_ምፃእ
👉 "አባ ሠረቀ አባ ሠረቀ እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣይኮኑን"
👉 ዝተወገዙ ውልቀ ሰባት እምበር ዝተወገዘ ህዝቢ የለን - ኣይተጭበርብሩ።
ፖለቲካና ፖለቲከኛታት ሃገርናና ሓሳብ የብሎምን። ብሓሳብ ክንቀፉ ከለዉ ናብ ህዝቢ ይሽጎጡ ወይ ህዝቢ ከም ዝተነቐፈ ገይሮም ይሰብኩ። ከም ውዳበ ንብኣዴን ክትነቅፍ ከለኻ ንህዝቢ ኣምሓራ ከም ዝነቐፍካ፣ ንህወሓት ዝነቅፍ ንህዝቢ ትግራይ ከም ዝነቐፈ፣ ንኦህዴድ ዝነቅፍ ንህዝቢ ኦሮሞ ከምዝነቐፈ ገይርካ ናይ ምቕራብ ሕዱር ሕማም ኣሎ። ብውልቀ ሰብ እውን "ሓጎስ ሌባ እዩ ክትብል ከለኻ "ንህዝቢ ትግራይ እዮም ሌባ ዝብሉ ዘለው" ይብሉልኻ፤ "ከልካይ ሙሰኛ እዩ" እንተ ኢልካ "ንህዝቢ አምሓራ ሙሰኛ ይብልዎ ኣለዉ" ኢሎም ዋጭ ዋጭ ይብሉ፤ "ኣራርሶ መምርራት አልቻለም" ኢንተ ኢልካ "ህዝቢ ኦሮሞ ምምራሕ ኣይክእልን ይብሉኻ ኣለዉ" ኢሎም ይእውዩ።
እዚ ዝወረደ ሥነ ሞገት ኣብ ቤተ ክህነት እውን ይገድድ ይኾን እምበር ኣይተፈወሰን - እነሆ Abreha Meresu ከም መርኣያ። ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዘውገዞም ኣፃቢዕቲ ኢዳካ ቆፂርካስ ክልተ ኣለኒ እትብሎም እዮም። ነቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፍራስ ምስ ፖለቲከኛታት፣ ኣክቲቪስት ወኤቲስት፣ ምስ ካልኦት ቤተ እምነትን ዝሓበሩ ጥራሕ እዩ። እዚ ከዓ ህዝቢ ካብ መ*ና*ፍ*ቃንን መጭበርበርትን ንምድሓን ቤተ ክርስቲያን ንዘበናት ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ሥርዓታን ሓሊያ ዘንበረትሉ መንገዲ እዩ።
ዓለም ለኻዊ ይኹን አህጉራዊ ወይ ድማ ሀገራዊ ሲኖዶሳት እናፈጸምዎ ዝመፁ ተግባር እውን እዚ እዩ።
ውግዘት ብፍቓዱ ካብ ሃይማኖትን ካብ ሃይማኖታዊ ሥርዓትን ንዝወፀ ኣካል "ኣይምለስን" እንተ ኢሉ ብዕሊ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈለየ ምዃኑን ዝኾነ ይኹን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥልጣን ኮነ መሰል ከም ዘይብሉ ምእዋጅ ማለት እዩ። ዓለም ለኻዊ ጉባኤያት (ኒቅያ፣ ቁስጥንጥንያ፣ ኤፌሶን) ኮነ ሃገራዊ (ቦሩ ሜዳ ከም ኣብነት) ናይ ምክያዶም መሠረታዊ ነገር እውን እዙይ እዩ። እዙይ ከዓ መጽሐፍ ቅዱሳዊ መሠረት ዘለዎ እዩ።
"አስቀድመን እንዳልን እንዲሁ አሁን ሁለተኛ እላለሁ፥ ከተቀበላችሁት የተለየውን ማንም ቢሰብክላችሁ የተረገመ ይሁን።' ገላትያ 1:9
" . . . ይህን ሥራ የሠራው ከመካከላችሁ ይወገድ" 1ኛ ቆሮ 5:2
መሥረቲ ድዮም መለስቲ "መንበረ ሰላማ" ሐዋርያት ካብ ዘምሃሩና ትምህርቲ ዝተፈለዩ ስለዝኾኑ እዮም ተወጊዞም።
እንተኾነ ግና ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽርሒን ድኹም ምሕደራ ሲኖዶስ ኢትዮጵያን ኣብ ኢድ ዝተወገዙ (ሥልጣነ ክህነት ዘይብሎም) ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ክውቀስ እንተኾይኑ "ህዝበይ ልቐቕ" እንትበሃል ኣብ ፖለቲካ ተፀጊዑ "እግዚአብሔርከ መን እዩ?" ኢሉ ዝሓንገደ "መንበረ ሰላማ"፣ ሽርሓዊ ፖለቲካን ድኹም ምሕደራ ሲኖዶስ ኢትዮጵያን ደኣ እምበር እቲ ውግዘት ኣይኮነን። ዝተወገዙ ውልቀ ሰባት እምበር ዝተወገዘ ህዝቢ የለን። እዚ ድማ ንድሕነት ምእመናን እዩ።
ውግዘት ኣብ ምልዓል ኣነ'ውን ደስ ይብለኒ። እንተኾነ ግና ሐዋርያዊነት ንዒቖምን ደፊኦምን ዝተወገዙ ውልቀ ሰባት ተናሲሖም ክንስሁን ክምለሱን ምግባር እዩ ዝቕድም።
August 1, 2026 126