#ንርእስኹም_ሽርጥ፣ #ንዝባንኩም_ሬንጀር #ንእግርኹም_ገምባለ ግበሩ
⛔ ዝተዓደምክሙሉ መድረኽ መድረኽ ጥፍኣት እምበር መድረኽ ድሕነት ዝኾነ ዓውደ ምሕረት ኣይኮን'ሞ ሽርጥ እምበር ሻሽ ስለዘየጥዕመሉ/ኩም ሽርጥኩም ገይርኩም ምስ ዓደምትክኹም ምሰሉ።
⛔ ዝተዓደምክሙሉ መድረኽ ሥጋ ወደሙ ኣቕቢልኩም ምእመናን ናብ ክርስቶስ እተቕርብሉ ዘይኮነስ ንሞት እተዋፍርሉ፣ ብተክሊል ኣመርዒኹም ሓድነት እትፈጥርሉ ዘይኮነስ ሰባት ዘፈላልን ዘጠፋፍእን፣ ሓው ምስ ሓው፣ ኣቦ ምስ ወላዲ . . . ዘቃትል ዓውደ ኲናት እዩማ ካባኹም ደርቢኹም ንዝባንኩም ሬንጀር ደርቡሉ፤ደርቡሉ፤
⛔ ዘለኹሙሉ መድረኽ ዝተብኣሱ እተተዓርቕሉ፣ ንዝተጨነቑ እትናዝዝሉ ዘይኮነስ ዘይተብኣሱ ዝበኣስሉ፣ መስቀል ዘይኮነስ ቃታ ዝምዘዘሉ እዩሞ መስቀልኩም ገዲፍኩም ቃታ እትመዝሉ ስለዝኾነ መስቀልኩም ሕብኡ፤
⛔ እዚ መድረኽ ብመቆምያ ዝዝመመሉ ዘይኮነስ ብክላሽን ዝፍከረሉ እዩሞ ክላሽንኩም ተሓንገጡ፤ ጎንኹም እንትደኽሞ መቆምያ ዘይኮነስ ክላሽን ተደገፍሉ፤
⛔ ዝተዓደምክሙሉ መድረኽ ክርስቶስ ዝውደሰሉ ዘይኮነስ ሃይማኖት ዝንቀፈሉ እዩሞ ሃይማኖተኛታት አይትምሰሉ - ገምባለ ግበሩ።
👉 ሃይማኖት ኣይተንቅፉ
👉 ክህነት ኣየተዋርዱ
👉 ሽምግልና ኣይተንዕቑ

July 31, 2026 79