#እዚ ውሳነ ተግባራዊ ንክኾን ኩሉ ዝክኣሎ ይግበር!!
ምምሕዳር ወረዳ #ራያ ጨርጨር 11 ኢንቨስተራት #ሙሉእ ብሙሉእ መሬቶም ንክምንጠሉ ብምውሳን ናብ ዞባን ክልልን ሪፖርት ምግባሩ ገሊጹ።
እቲ ምምሕዳር ብ 08/ሚያዝያ 2016ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ናይ ኣመራርሓ መድረኽ ኣማኢት ሄክታር መሬት ወሲዶም ዘየልምዑ #ኢንቨስተራት ዝምልከት እዩ ወሳነ ብምዕራፍ ሪፖርት ዝገበረ።
ኣብ ራያ ዓዘቦን ጨርጨርን ዝርከቡ ኢንቨስተራት ዘለውሉ ኩነታት ዝፍትሽ ብብርኪ ወረዳን ክልል ኮሚቴታት ተጣይሹ ቁፅጽር፣ ክትትልን ዑደትን ዝተገብረ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ካብ ዝርከቡ 56 ኢንቨስተራት ነቶም 45 ዘለውሉ ኩነታት ብምፍታሽ እዩ ዝተፈላለዩ ወሳነታት ዝወሰነ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ስለዝነበሩ ዘለውሉ ኩነታት ኣይተፈተሸን።
በቲ ናይ ወረዳ ውሳነ መሰረት 11 #ሙሉእ ብሙሉእ ተመንጢሎም ንምንእሰይ ንክዕደልን #ሳቫናን፥ #ኣላሙዲንን ብፍርቂ ንክምንጠሉን 16 ብመጠንቀቕታ ን6ወርሒ ንክርኣዩን 17 ድማ ብዘለውሉ ንክጽሉ እዩም ወሲኖም።
#ሙሉእ ብሙሉእ ንክምንጠሉ ዝተወሰነሎም ኡንቨስተራት
1. ብርሃነ ፀጋይ
2. ሃይሉ ሓድስ
3. ነጋሲ ገ/ገርግስ
4. ዳንኤል ካልኣዩ
5. ኣስመላሽ ኣበበ
6. መልካም ግደይ
7. በርዎ ትሬዲንግ ወ/ሰንበት
8. ኣይፈራሕ ኣባተ
9. ጓል ግራንደ
10. መስፍን ግርማይ
11. ኩችነል
#ብፍርቂ (50%) ንክምንጠሉ ዝተወሰነሎም
1. ኣልሚኮ ኣላሙዲ 50% 250 ሄ/ር
2. ሳቫና 50% 225 ሄክታር
#ብመጠንቀቕታ ን 6 ወርሒ ዝቅጽሉ
1. በላይ ጠዓመ
2. ሰይፈ ሃ/ስላሰ
3. ተስፋይ ሃይሉ
4. ኪሮስ ባራኪ
5. ብርሃኑ ኪሮስ
6. ሓጎስ መሓሪ
7. ብርሃኑ ፃዲቕ
8. ሃፍቱ በርሀ
9. ኣባይ ኣብርሃ
10. ጥዑማይ ታረቀ 10ሄ/ር
11. ገ/ሂወት 10 ሄ/ር
12. ሃለቃ በርሀ
13. ሃፍታሙ ባይርኡ 10 ሄ/ር ይመንጠል ወራ
14. ብሊ ያያ
15. ገ/ሄር መዝገቦ
16. ሉሲ ማኑፋክቸሪንግ
ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳርን ሓደ ሓደ ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ምንቅስቅሳ ይግበርሎ።
እዚ ውሳነ ተግባራዊ ከይኾን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ጽእንቶ እናተገበረ ስለዝኾነን ክልል እውን ናይ ህዝቢ ሕቶ ርእዩ ንክወስን ንረባረብ።
እዚ ውሳነ ተግባራዊ ንክኾን ኩሉ ዝክኣሎ ንክገብር
ህዝብን ምምሕዳርን ብፍላይ ድማ መንእሰይ ፅእንቶ ክፈጥር ይግባእ።
ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ህዝብናን መንእሰይን ነዚ ዘሎ ምንቅስቃስ ተረዲኡ ክንቐሳቐስን ኣብ ቐጻሊ ድማ ናይ ራያ ዓዘቦ ዘሎ ዘይሕጋዊ ውራ መሬት ብተኸታታሊ ክነቃልዕ ኢና።
Desye Ashenafi
12
3May 6, 2024 2.1K