#ወርቂ_ትግራይ ብመን ይውረር ኣሎ?
- - -
እዚ ሕቶ ንኹሉ ትግራዋይ፣ ብፍላይ ድማ ንመንሰይ ወሎዶ፣ ነቲ ጀግና ሰራዊት ትግራይ፣ ነቲ እናራአየ ዘፅቀጠ ፖለቲከኛ ይምልከት። መንእሰይ ትግራይ ብውሽጥን ብደገን ብዝተደራጀው ወረርቲ፣ ሃፍቱ እናተመንዘዐ እቲ ወርቂ ንምሕፃብ ዘድሊ ኬሚካል ድማ ንሰብን ነቲ መሬትን ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ዝገብር ፣ ሃፍቱ ምስተጓሕጎሐ ሰብን እንስሳን ዘይነብረሉ ከባቢ እናተፈጠረሉ ከም ዘይሰመዐ አፂቂጥና ንወፆ ዶ?
እዚ ካብ አድያቦ፣ ጭላ፣ ወርዒ ጀሚሩ ክሳብ ኤርትራ - የመን፤ ብኢትዬጵያ ክሳብ ታይላንድ ዝተዘረሰገሐ ናይ ወረርቲ ሰንሰለት ብዋናነት መን ይመርሖ ኣሎ? ኣብ ኢትዬጵያ ብዙሕ ወርቂ ዘለዎ ከባቢ ኣሎ፣ እንተኾነ ፌደራል እቲ ካብ ኤርትራ ዘምለጠ ወርቂ ወይ ሳፋየር ድማ ብሚኒስትሪ መዓድን፣ ብባንኪ ንግዲ ኢትዬጵያን አቢሉ እናተቐበለ ቢልዬናት ዶላር እናሓፈሰሉ ዝርከብ ነቲ ናይ ትግራይ እዩ።
ትግራይ ዝወሃቦ ቁንጣሮ በጀት እዩ። እቲ ካብ መሬቱን ርስቱን በበመዓልቱ ዝፈስስ ዘሎ ሃፍቲ ግና ቢልዬናት ዶላራት እዩ። አብ ትግራይ ዝርከብ ወርቂ እቲ ፁሩይ ዝበሃል (ካብ 22 ክሳብ 24 ካራት) እዩ። አብ ዕዳጋ ዓለም ሓደ ግራም ወርቂ 22 ካራት ብውሕዱ 11500 ብር ይሽየጥ።
እቲ አብ ውሽጢ 3ተ ወርሒ አብ ሽረ ቅርንጫፍ ብባንኪ ንግዲ ጥራሕ ዝተአከበ 13.4 ኩንታል ንአብነት ንሕሰቦ። እዚ ማለት ብካልኦት ቅርንጫፍ ዝተአከበ፣ ብመስመር ኤርትራ ክሳብ የመን ዝወፅእ ዘሎ፣ አብ አክሱም፣ ባድመ፣ ወርዒ ወዘተ ዘሎ ከየውሓወሰ ማለት እዩ።
1 ኩንታል = 100 ኪሎ ግራም
1 ኪሎ ግራም = 1000 ግራም
13.4 ኩንታል= 1340 ኪሎ ግራም (1, 340, 000 ግራም)
ካብ ሽረ ከባቢ ብባንኪ ንግዲ ዝተአከበ ወርቂ እዩ። እዚ ብውሕድ ዕዳጋ ብገንዘብ እንትግበጥ ድማ ነዚ ይመስል፦
1 ግራም ወርቂ = 11 ሽሕ ብር
1340000 ግራም = 14, 740,000,000 ብር ይኸውን።
#ትግራይ:-
እዚ ኹሉ ሃፍቲ ብውልቀን ብአዝዬም ዝተደራጀው ሓይልታት እንትውረር፤ ህዝቢ ትግራይ ግን ቁራስ እንጀራ ክልምን ፎቆዶ ጉግማንጉግ ተበቲኑ ገፅ እናረአየ ይውዕል ኣሎ። ተጋደልትና ሰአን ሕክምና ሰንሰን ኢሎም ኣብ ሕመቅ ይርከቡ፣ ህዝብና ልምዓት ሕልሚ ኮይንዎ ይርከብ፣ ዝተሰደተ ህዝብና ኣብ መከራ ይሓለሸፎ ኣሎ።
ህዝበይ ናበይ እዩ ንኸዶ ዘለና፣ ይኾኖ ንስርቂ፣ ይኾኖ ንሕመቅ!!
𝐌𝐚𝐡𝐝𝐞𝐫 𝐊𝐢𝐲𝐚 ማህደር ቅያ
#Share . . .
T.me/mahderkiya
#Share . . .
ማህደር ቅያ | @mahderkiya