👆👆👆👆👆👆👆👆👆 ናብ እሱር ቤት ከይኣተኻ ኣይትትኣሰር። ኣንብብ ኣይትፍራሕ see more ውቃዕ! √ ከይትእሰር ክንደይ ግዜ ትፈርሕ ትኾን። በቲ ጥቃ እሱር ቤት ክትሓልፍ ከለኻ እንታይ ይስምዐኻ? ወድኺ እንተትኣሲሩ ግደፍዮ። ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ ክእሰሩ ከለዉ እማ ናብ ፅሉል ትቅየር ትኾን በቃ። ኣይትፍራሕ እሱር ቤት ኣብ ገዛኻ ኣሎ ። √ ንስኻ ባዕልኻ ትፈጥሮም እሱር ቤታት ይገዱ። ንስኺ ባዕልኺ ዝሃነፅክዮም ወኽኒ ቤታት ይጭክኑ። ሕልናኻ ቀቲሎ እዮም ዕላማኻ ዘምክኑ። ኣረ ናብ ፅሉል ይቅይሩ። √ ሕድ ሕድ ሰብ በዚ ተስማዕማዕ ። እዚኦም ሕድ ሕድ ሰብ ባዕሉ ዝፈጥሮም ብፀልማት ዝተውሓጡ ሕድ ሕድ ገዛ ኣንኮሕኲሖም ዝኣተዉ እሱር ቤታት እዮም። 1.ከይብሉኒ ኣይትበል። ድሌትካ ከይትረክብ ዝገብር ቀናእ እሱር ቤት እዩ። ከይብሉኒ እናበልካ ሕልናኻ ኣሲርካ ኣይትዝር ። ከይብሉኒ ስለ ዝበልካ ምባል ኣይተትርፍን።ኣንታ ወዲ ግደፍ ባዕልኻ ንባዕልካ ኣይትዓፍን። 2. ኣይክእሎን እየ ኣይትበል። ንኸይትማሃር ፣ ንኸይት ሓስብ ዓጊቱ ዝሕዝ ሓያል እሱር ቤት እዩ። ኣይክእሎን እየ እንተ ኢልካ ትኽእሎ እውን ኣይትኽእሎን በቃ ሕልናኻ ሞይቱ ያ። 3. ከይትጋገ ኣይትፍራሕ። ንኸይትዕወት ጋሪዱ ዝሕዘካ ንሕስያ ዘይብሉ ሻምፔን ከይትኾን ዝሓፅር እሱር ቤት እዩ። ሓሲብካዮ ዲኻ ሻምፔን እንተዘይኮይንካ እኮ ወርቂ ሜዲልያ እዩ ኸምልጠካ። ወይ ጣጣ ። 4. ካብ ሰብ ኣይትፀበ። እዚ እቲ ሓደገኛ ዓቅምኻ ቀቲሉ ራእን ሕልምን ዘይብልካ ድኹም ሰብ ዝገብረካ ካብ ሰውራ ዘይንእስ እሱር ቤት እዩ። 5.ኣብ ጣዕሳ ምንባር። እዚ ሓዱሽ ሂወት ንኸይትፈጥር ኣብ ክሳድካ ዝተፀመደ ዘይብጦስ ካቦ እዩ። ኣብ ሕልሚ ቀትሪ ዘንብረካ ጨካን ኣብ ጎደናታት ዝርከቡ ዝወዳደቁ ሃይላንድ እናረጋሕኻ ክትከድ ዝገብር ንሕስያ ዘይብሉ ባዕልኻ ትፈጥሮ እሱር ቤት እዩ። # እሞ ኻብዙይ ዝዓቢ እስር ቤት ድኣ ኣበይ ኣሎ። በዚኦም ከይትእሰር ፍራሕ ። ናብ እሱር ከይኣተኻ ኣይትትኣሰር። እስኪ ገለ በለኒ ኣብ ኮመንት። ንስኺ እውን ሓበሬታ ሃብኒ ካሊእ እውን ክፅሕፍ እየ ዝደሊ። ሰላም!
ናብ እሱር ቤት ከይኣተኻ ኣይትትኣሰር። ኣንብብ ኣይትፍራሕ see more ውቃዕ! √ ከይትእሰር ክንደይ ግዜ… — ALAJE TIMES — TG.ME
September 6, 2025 792