ደሕንነት ተጋሩን ትግራይን ብኸመይ ይሕሎ? ➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖ ፩. ህዝቢ ትግራይ በብግዚኡ ዝበፅሖ ናይ… — Digital Woyane - ድጅታል ወያነ — TG.ME

👉ደሕንነት ተጋሩን ትግራይን ብኸመይ ይሕሎ?

፩. ህዝቢ ትግራይ በብግዚኡ ዝበፅሖ ናይ ዘርኢ ምፅናት ብኸመይ ንመክቶ?
ዘሕለፍናዮም ገበን ዘርኢ ምፅናት ብድንገት ሓደ ግዘ ወይ ኸዓ ክልተ ግዘ ዝፀነትናሉ ዘይኾነስ ኾነ ተባሂሉ ንነዊሕ ግዘ ተሰሪሑሉን ተኣቂድሉ ዝግበር ዘርኢ ምፅናት እንትኸውን ፤ ኣንሕና ተጋሩ ኸዓ ዘዝሓለፈ እንዳረሳዕና ንኻልእ ፀነተ ባዕልና ነውፊ። ኖኖኖ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክኣክል ኣለዎ!።

ኣብቲ ሕሉፍ እኹል መፅናዕቲ ተገይሩ ንቀፃሊ ንኸይድገምን ፤ ክድገም ዝመስል ኣዝማምያ እንትህሉ ካብ መበቆሉ ዘምክን ብሳይበርን ብዘመናዊ ኣፅዋርን ዝወነነ #ትካል_ስለያ_ትግራይ (Tigrai intelligence agency) ክጣየሽ ይግባእ።

እዚ ትካል ብንቕሓትን ብብርሒን ንቕድሚት እንዳረአየ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ብሳይንሳዊ ዘምኽን (eliminate or mitigate) ክኸውን ድሕሪ ፀነተ ካብ ዝፍጠር ብፅሑልናየ ፣ ረኣዩልናየ ፣ ሕደጉ በሉልናየ ገለመለ ካብ ዝብል ጥርዓን ዓለምለኸ ትካላት (እሞ ንዘይበፅሑልካ) ቀዲሙ ፀጥ ዘብል ፍሉይ ናን ስለላ ኽእለትን ልዕልና ስነልቦና ዝውንን ትካል ክጣየሽ ይግባእ።

፪. ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶን ግዝኣትን ትግራይ ካብ ዝካየድ ናይ ርስቲ ምቅርማት ብኸመይ ንከላኸልን ውሕስነት ግዝኣትና ንሕሉን?
ብስሩ ኸ ንምንታይ ኢና ናይ ባዕልና ዝኾነ ናይባዕልና ምዃኑ ብዕልን ብግልፅን ዘይንእውጅ? መልሱ ቀሊል እዩ። ‛ባዕልና እንዳሰላዕና እናረከብና ንመን ክንጥይቕን ንመን እሞ ክንወቅስ?’ ዝብል ስፍሕ ዝበለ መፅናዕቲ ዘድልዮ ዳልሳስ የድሊ።

ይኹን እምበር እዚ እውን ግዝኣት ትግራይ ብዝምልከት እኹል መፅናዕትን እኹል ናይ ውሽጥን ናይ ደገን (ዓለምለኸ ምሁራት ዝሰነድዎ) መረዳእታታት እንዳሰነድና ግዝኣትና ሕዚ ትግራይ ካብ ዝሓዘቶ ምምሕዳር ግዝኣት ልዕሊ ዕፅፊ ብሕጋዊ መንገዲ ዘይንምልሰሉ ምኽንያት ኣይክህሉን።

ኣብዚ ጉዳይ ዝርአየኒ እቲ ዋና ፀገም፦ ትሕዝቶ ግዝኣት ትግራይ ፖለቲካዊ ምኽንያት ኾይኑ ውድብ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ትግራይ ቆራፂትን ፈላፂትን ምዃና እዩ። ምኽንያቱ፦ ኣፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ምኽላል ግዝኣት ትግራይ ፤ ንዘመናት ግዝኣት ትግራይ ዝነበረ ትሕዝቶን ብዘመነ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሳፍንቲ ዝተመንጠለ ግዝኣትና (ዋላ ናይቲ ኸባቢታት ግዝኣት ትግራይ ዝነበረ መፀውዒ ሽም ብትግርኛ ምዃኑ እንዳተፈለጠ ብዘየግድስ) ምዃኑ እንዳፈለጡ ፤ ብግዚኡ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኾነ ኢሎም ካፍቲ ዝነበሮም ትሕዝቶ ብዝተፀነዐ መንገዲ ብምልጋስን ብምፅናትን ናይ ባዕሎም ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰባት ኸምዘቐመጡ እንዳተፈለጠ ፤ ብሽም ትግርኛ ተዛረብትን ኸባቢኡን ዝብል ናይ ለሃምም ፖለቲካዊ ኣካለላ ግዝኣት ትግራይ ካብ ነባር ትሕዝቶኣ ተሸምሪራ ኣፍቲ ሕዚ ዘለቶ ቦታ በፂሓ እያ።

እሞኸ ሕዚ ዘይፖለቲካዊ ትካል መላሲ ግዝኣት ትግራይ ፤ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ዘካተተ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ትኹረት ዝገበረ በዓል ሞያታት ኣንትሮፖሎጂ ዝሓቖፈ ፤ ኣብ ደገ ዝነብሩ ግዱሳት ምሁራት ተጋሩ ዝሓቖፈ ትካል ክጣየሽ ይግባእ። ክሳብ እቲ ንሓተሉ መዓልቲ ዝበፅሕ ዕዮኦም እናኣመሙ ኽፀንሑ ክግበርን ብግዚኡ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ዝምለሰሉ ንኽኸውን ይሕደር ዘይበሃሎ ዕማምና ክኸውን ኣለዎ።

#ንኣፍልጦኹም ፦ ዓዲ ፫ ናይ ትግራይ ግዝኣት ዝነበሩ ኸባቢታት ብትግርኛ መፀውዒ ዝፅውዑ ዝነበሩ ቁሸታትን ኸባቢታትን ናብ ኣምሓርኛ ይቕይርዎም ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ እኝተሃልዩኹም እስኪ ብጭዋ ባህልና ኣብ ኮሜንት ንካታዕ!!....!!!

መሰል ትግራይን ተጋሩን ምኽባርና ካብ ቀፃሊ ጎንፅን ፅንተትን የትርፈና እምበር ፤ ናብ ኹናት ኣየእትወናን።

ሰላም ኢና ንደሊ! እወ ሰላም ኢና ንደሊ! እሞ ሰላምና ኸሕልወልና ዝኽእል ሓይሊ እውን ኽህልወና ከምዘለዎ ንፍለጥ!

#ሼር ግበርዎ እሞ ነውግዐሉ!

#DigitalWoyane
October 23, 2023 4.3K 5