ተርእዮ ምንቅጥቃጥ መሬት ትግራይ (ተፅሓፈ ብ Tigray sci-Tech) ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ ናይ መሬት… — Digital Woyane - ድጅታል ወያነ — TG.ME

ተርእዮ ምንቅጥቃጥ መሬት ትግራይ
(ተፅሓፈ ብ Tigray sci-Tech)

ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ የጋጥም ኣሎ መንቀሊኡን ሓደግኡን ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ንሎሚ ነዊሕ ትንተና ክፅሕፍ ተገዲደ ።

መሬት ምንቅጥቃጥ (earth quake) ካብቶም ትሕቲ መሬት ርዕዳዊ ምፍላሕ ዝመኸኸ ከውሕን ዝተዓፈነ ናይ ዘመናት ሙቐት ትሕቲ መሬትን ማያዊ ኣካላትን ብዝፈጥሮ ድፍኢት ዝኽሰት geomorphological event ምዃኑ እዩ ።

በዚ መዳይ በፍላይ ድማ ብርዕደ መሬትን ናይ መሬት ስሕበትን ምስንጣቕን (plate movement juncture ) ስሉጥ ምዕባለታት ዝረአየሎ ከባቢ ሓደ እቲ ዓብይ ምውት መሬት ክፋል ዓለምና (The great rift valley) ካብ ኢስራኤልን ጆርዳን ክፋል ባሕሪ ኤዴንን ቐይሕ ባሕርን ኤርትራን ብየማናይ ክንፊ ድማ ባሕሪ ኤደን (Gulf of Aden) ኣቋሪፁ ናብ ሃገርና ይፅምበር ።

ናብ ኣፍሪካ ምስተፀምበረ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ረባዳ መሬት ዓፋር (Afar triangle) እቲ ዝሰፍሐ ክፋል ሓጓፍ ሽንጥሮ (Rift valley) ብገፊሑ ተሰንጢቑን በቢ እዋኑ ስሉጥ ናይ ርዕደ መሬት ክስተታት ዝረአየሉ ናቁጣ (Siesmic zone) እዩ ።

በዚ መዳይ ኣብዚ ከባቢ ክሳብ 90-150 ኪ/ሜ ንኣንፈት ምዕራብ ናብ ዞባ ምብራቕ ዓድግራት ፣ ስንቃጣ ኸምኡ እውን ውቕሮ ፣ ኣፅቢ ፣ ኣጉላዕ ፣ መቐለ፣ ኣብዓላ ወሰን ናብ ዓፋር ዝዋሰና ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ (በተለይ ራያ valley) active seismic zone ካብ ዝባሃሉ ርዕደ መሬት ዝፍፀመሎም ከባቢታት እዮም ።

ካብዚ ቐፂሉ ድማ እቲ ፅልዋ ካብ ኣዋሽ ሸሎቖ ጀሚሩ ብማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣቋሪፁ ኣዋሳን ኣርባምንጭን ኦሞ valley ሒዙ ኬንያ ተሓዊሱ ናብ Victoria ቓላይ ይፅምበር ።

ናብ ትግራይ እንትንምለስ ኽልተ መልክዕ ዝሓዙ ሓደጋታት ይረአዩኒ ፦

1) ዓፋር triangle ሒዙ ክፍጠር ዝኽእል ስንጣቅ መሬት (plate fault) ካብ ቐይሕ ባሕሪ ማይ መሊኡ ምዕልቕላቅን ምውሓጥ ረባዳ መሬት ከባቢታት ትግራይ ።

2) ምስሕሓብ plates ብዝተፈጠረ ውጥጥ ትሕቲ መሬት ሓይሊ ብዝፍጠር ነዃል ዝፍጠር ምፍንዳእ ሓዊ መሬት (volcanic eruption ) ኸምኡ እውን ርዕደ መሬት (earth movement)

3) እቲ ስንጥቕ መሬት እናገፍሐ ምስገደ ብዝፍጠር ኣርተፊሻል ቓላይ ትግራይ ኣብ ኽልተ ኽፋል በተለይ ወሰን ወሰን ዘባታት ምብራቕ ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ብከፊል ምግማዕን ምስማጥ ገለ ከባቢታትን።

እዚ ዘረጋግፆ ኣብቲ ከባቢ Afar triangle ዘዋስና ከባቢታት ትግራይ ርዕደ መሬት ዝፍጠረሉ ጥልቀት በኣሽሓት ኪ/ሜ ጥልቀት ዘይኾነስ ብቐረባ 15 ኪ/ሜ ጥልቀት ምዃኑ እዩ ።

ኻሊእ ኣብ ከባቢ ባዳን ዳሉልን ካብ ቐይሕ ባሕሪ ዝብገስ ስንጣቕ ሓጓፍ ሽንጥሮ ብምስሊ ሳትላይት (satellite imagery) እንትረአ ብፍጥነት ንጎኒ እናገፍሐን ዓብይ ክፍለ-ኣህጉራዊ ምስንጣቕ መሬት (continental drift) ኾይኑ ማይ ዝመልአሉ ዕድል እናዛየደ ምምፅኡ እዩ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ብዝኾነ ፍጥነት ።

እቲ ኻሊእ geological evidence ኣብ ኣማኢቲ ዓመታት ዝፍጠር ዝነበረ መሬት ምንቅጥቃጥን ቅሁም ቮልኮኖን (passive eruption) ኣብ ሒደት ዓመታትን ኣዋርሕን ክደጋገም ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ምምፅኡ እዩ ።

ስለዚ ፅልዋ ናይ ዓፋር ትርያንግል ናብ ትግራይ ይጋፋሕ ኣሎ ብኸይዲ ተፈጥሮኣዊ ስሕበትን ድፍኢትን ውሽጣዊ ክፋል መሬት crust.

እቱ ዝላዓለ ረብሑ ግን ኸይዲ ስሕበት ዓብይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ተኸቲሉ ትግራይ በሪ ባሕሪ ክህልዋ ይኽእል እዩ::
August 2, 2023 3.5K 1