🖥 ኮምፒተርና ብመደብ (schedule) ከመይ ጌርና ክንዓፅዋ ንኽእል?
🔸 ሓደሓደ ጊዜ ኮምፒተርና ዓቢይ ፋይል ክተውርድ ኣዚዝናያ ወይ ዓቢይ ሶፍትዌር ክንፅዕን ከለና፡ ኮምፒተርና ድሕሪ ውሱን ሰዓታት ባዕላ ክትዕፆ ንደሊ ንኸውን። ንኣብነት፡ ለይቲ ሓደ ፋይል ክተውርድ ኣዚዝናያ፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣውሪዳ ምስ ወድአት፡ ክሳብ ንግሆ ከይዓፀናያ እንተ ሓዲርና፡ ንጥዕና እታ ኮምፒተር ፅቡቅ ኣይኮነን።
🔸 ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ኪቦርድና፡ Window + R ብሓንሳብ ንጥውቅ። ኣብቲ ዝመፅእ ንእሽተይ ቦክስ፡ ነዚ ዝስዕብ ትእዛዝ (command) ንጽሕፍ፦
shutdown –s –t number
🔸 ኣብቲ 'number' ዝብል ቦታ፡ ድሕሪ ክንደይ ሰከንድ ኮምፒተርና ክትዕፆ ከም እንደሊ ንጽሕፍ።
🔸 ንኣብነት፦ shutdown –s –t 3600 ኢልና Enter እንተጠዊቕና፡ ኮምፒተርና ድሕሪ 1 ሰዓት (ማለት 3600 ሰከንድ) ባዕላ ትዕፆ ማለት እዩ። (ምኽንያቱ 1 ሰዓት = 3600 ሰከንድ እዩ)።
🔸 ሓሳብና እንተቐይርና እሞ ነቲ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ክንስርዞ/ክነቋርፆ እንተደሊና፡ ከም ብሓድሽ Window + R ጠዊቕና ነዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ንጽሕፍ፦
shutdown –a
☑️ እዚ ሜላ ዝሰርሕ ኣብ Windows OS እዩ።
@tigraytechnology

12
1
1April 24, 2025 1.1K 7