📌ናይ ኮምፒዩተር ኦፕሬቲንግ ሲስተም ብከመይ ንፅዕን።
🔸🔸 ክነዳልዎም ዘለና ነገራት 🔸🔸
1. ልዕሊ 4 ጊባ ፍላሽ ዲስክ
2. ሩፉስ(Rufus) ዝበሃል ሶፍትዌር
3. ብISO ፎርማት ዝተዳለወ ናይ ዊንዶውስ ወይ ካልእ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ፋይል
ኣብነት፡ (WINDOWS XP 7,8,8.1, 10,11) ክነውርድ ኣለና።
🔹🔹ከይዲ ኣፃዓዕና🔹🔹
▪️ ሩፉስ ነዚ ስራሕ ዝውዕል ፕሮግራም እዩ፣ ቀሊልን ቅልጡፍን ስለዝኾነ ሎሚ ከመይ ጌርና ክንሰርሓሉ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና:-
▪️እቲ ዘዳለናዮ ፍላሽ ዲስክ ኣብ ኮምፒተርና ክንሰኩዖ ኢና።▪️
1.ሩፉስ ድሕሪ ምውራድና Right Click ገይርና Run as Administrator ንጥውቅ።
Update እንተሓቲቱና No ንብሎ።
2. እቲ ፕሮግራም ምስተከፈተ ኣብ Flash Disk Device menu ጠዊቕና ንመርፆ።
3. ድሕሪኡ ናብቲ iso image place ብምኻድ ነቲ ኣቐዲምና ዘዳለናዮ Windows soft copy ኣእቲና drive letter ንመርፅ።
✏️ እዚ ክንገብር ከለና እቲ ፕሮግራም ብኣውቶማቲክ ኩሉ ስለ ዘዳልዎ፡ ካልእ ክንመዓራረዮ ዝግበኣና ነገር የለን።
4. ድሕሪኡ Start Button ምስ ፀቐጥና ዝኾነ ኣብ ፍላሽ ዘሎ ዳታ ከም ዝጠፍእ መጠንቀቕታ ክንረክብ ኢና።
ኣብቱ ፍላሽ ንደልዮ ፋይል እንተሃልዩ፡ ባክኣፕ ክንሕዝ ኣለና። ድሕሪኡ ok ንብሎ።
5. ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሮግራም ነቲ ናይ ዊንዶውስ ሴትኣፕ ናብ ፍላሽ ድራይቭ ምቕዳሕ ክጅምር እዩ።
✏️ እቲ ፕሮግራም ምቕዳሕ ምስ ወድአ close ብምጥዋቕ ናብታ ክንፅዕና ዝደለናያ ኮምፒተር ንስክዖ።
🔸 ከመይ ጌርና ኮምፒተርና ብ USB ፎርማት ንገብር
1. ኮምፒተር ምጥፋእ
2. ኣብ ላዕሊ ዘዳለናዮ USB ፍላሽ ድራይቭ ኣእቲና ንውልዓዮ።
3. F2, F9 ወይ F12 (ከከም ኮምፒተር ሞዴል ይፈላለ እዩ) ብምጥዋቕ ዝቕፅል ትእዛዝ ንክተል።
4. "install windows" ምስ መፀ፡ ዝደለናዮ ቋንቋን ካልእ ዝርዝራትን መሪፅና፡ ድሕሪኡ next ዝብል ንጥውቕ።
5. "Please read the license terms." ዝብል ምስ መፀ "I accept the license terms" ዝብል ንጥውቕ።
6. "Which type of installation do you want?" ምስ ሓተትና Custom ንመርፅ።
7. " Where do you want to install Windows?" ምስ በለና "Drive options" ዝብል ንጥውቕ
8. ነቲ ፎርማት ክንገብሮ ዝደለና / ክንፅዕነሉ ዝደለና ፓርቲሽን መሪፅና "format" ዝብል ንጥውቕ።
NB፡ እቲ ፓርቲሽን ፎርማት ከይገበርና እውን ክንፅዕኖ ንክእል ኢና።
9. ፎርማት ምስ ወዳእና "Next" ዝብል ንጥውቕ።
10. ድሕሪኡ ነቲ መምርሒታት ብምኽታል ኦፕረቲንግ ሲስተም ንፅዕኖ።
ብቪድዮ ዝተሓገዘ ሙሉእ ኣፀዓዕና ከይዲ ኣብ ይትዩብ ቻናልና ኣለኩም። 👇👇👇
https://user253755.psee.ly/5mhan9

user253755.psee.ly
ኮምፒተር Windows 10/11 ምፅዓን / How to install Windows 10/11
ክቡራት ኣሕዋት ዘለኩም ሪኢቶ ወይ ሕቶ ኮመንት ፀሓፉለይ። ሳብስክራይብ ፣ ላይክ ብምግባር ድማ ኣተባብዑኒ። https://www.youtube.com/channel/UC2_UQYmXM9iRV2-Lw5zdbIw?s
15
6March 18, 2025 1.7K 7