ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ካብ… — ALAJE TIMES — TG.ME

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ካብ ዝሃብዎ መግለፂ ። ዝተወሰኑ ነጥብታት 🎯 እዚ ጉጅለ ጉባኤ ምክያዱ ኣይኮነን ዶ ውድብ ከድሕንስ ንውልቀ ረብሓኡ ክብል ነታ ውድብ ናብ ዘይኮነ መንቀርቀር ኣእትይዋ እዩ። 🎯 ምስ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብ ተዳሒዙ ይኹን ዘሎ ሓፈሻዊ ምርድዳእ እዚ ጉጅለ እዚ ምስ ፌደራል መምግስቲ ብልዝብን ድርድርን ዝጀመርናዮም ከይድታት ኣብ ሓደ ብርኪ ናብ ሓደጋ ዘዕበየ ስራሕ ሰሪሑ ኣሎ። 🎯እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣዚ ጉጅለ ኣብ ዘይሕጋዊ ጉባኤኡ ብላዕለዎት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣቢሉ ንኩሉ ዓይነት ጎንጺ ክንዳሎ ኣለና፣ንኩሉ ዓይነት ዕጽዋን ክባን ክንዳሎ ኣለና፣ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ጽእንቶ ክንዳሎ ኣለና፣ጸላእትና ስለዘይድቁስልና ህዝቢ ትግራይ ንዝኾነ ይኹን ክባን ዕጽዋን ክዳሎ ኣለዎ፣ ህዝብና ንዘይትወደእ መኸተ ክዳሎ ኣለዎ ይብል ከምዘሎ 🎯እዚ ጉጅለ ምስ ናይ ጊዝያዊ ምምሕዳር ስልጣን ንምሓዝ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ምስ ዝተሰልፉ ሓይልታት ተወዲበ ጽእንቶ ክፈጥር እየ ኢሉ ይሰርሕ ኣሎ። 🎯እዚ ሓይሊ እዚ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኮይነ ናይ ትግራይ ሰላም ክዘርግ እየ ኣብ ዝብለሉ ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ምሕላው ሃላፍነት ስለዘለና ልዕሊ ኩሉ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ #ናፃ ኮይኖም ቀይሕ መስመር ተሰሚሩ ናብ ዕግርግር ንኣቱወሉ መንገዲ ከይህሉ መንግስቲ ይሰርሕ ኣሎ። 🎯ሕገ ደንቢ ህወሓትን ካልኦት ደንቢታትን ዘየማልአ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘየእተወን ጉባኤ እዩ። Desye Ashenafi

August 17, 2024 2.3K 2