ገራሚ እዩ🤷🏽♂️ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ናይ ጉጅለ ምይይጥ ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት:- * ካብ ብሕዚ ምስ ኢትዮጵያ ትባሃል ዓዲ ምቕፃል ዘይካኣልን ዘይሕሰብን እዩ። * ብኹሉ ነገር ተዳሊና ኢና ድሕሪ ጉባኤ ንዝመፅእ ኹሉ ዓይነት ነገር ንምምካት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣለና። * ማእኸላይ መንግስቲ ክገብራ ዝኽእል ግልጋሎት (በጀት፣ ባንኪ፣ አውሮፕላን፣ ቴሌ ወዘተ) ምዕፃው እዩ። እዚ ድማ ለሚድናዮ ኢና። ዕፅዋ ድማ ምስ ህዝብና ኾይንና ክንምክቶ ኢና። * ዕፃና ምስ ኤርትራ መንግስቲ እዩ። ናይ ሓባር ምንቅስቓስ እውን ጀሚርና ኣለና ዝብሉን ካልኦት ሰላምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ርኢቶታት ብኣመራርሓ የሕልፉ ምህላዎም ተፈሊጡ አሎ። ★ኣብዝሓ ጉባኤተኛ ኣብ ከቢድ ድንጋፀ እዩ ዘሎ። ብዙሓት አብቲ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ተደናጊሮም ክሳተፉ ዝኣተው ኣባላት ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝሓልፍ ዘሎ ሓደገኛ መልእኽቲ ኣስጊእዎም ገዲፈምዎ ንምውፃእ ይዳለዉ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ✍️ mezeker Abedi
August 17, 2024 1.3K 2 1