ውራ መሬት #ራያ_ጨርጨር (#ኣልሚኮ_ኣላሙዲ ) ኣብ ወረዳ ራያ #ጨርጨር ጣብያ #ባግኤ ደልቦ ቁሸት ዓዲ ጎሎ… — ALAJE TIMES — TG.ME

☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️ ውራ መሬት #ራያ_ጨርጨር (#ኣልሚኮ_ኣላሙዲ ) ኣብ ወረዳ ራያ #ጨርጨር ጣብያ #ባግኤ ደልቦ ቁሸት ዓዲ ጎሎ ናይ መሓመድ ኣሊ #ኣላሙዲን ከምዝኾነ ዝንገርሉ ንዓመታት ተሓጺሩ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ኣሎ። ሕርሻ መሬት #ኣልሚኮ_ኣላሙዲ ኣብ 2000 ዓ/ም እዩ መጠኑ 500 #ሄክታር መሬት ብምውሳድ ብውሱን መልክዑ ናብ ተግባር ክኣትይ ዝሞከረ። ቕድሚ ኩነታት ነዚ ናይ ሕርሻ መሬት ሓሪሱ ንምልማዕ #ትራክተራት ገዚኡ ብምእታይ ስራሕ ጀሚሩ ነይሩ። ይኹን እምበር ዝበዝሓ ትራክተራቱ ኣብ ቀፀልቲ ዓመታት ናብ ኻልኦት ናይ ሕርሻ ቦታታቱ እየን ተዛዊረን። ኣብዚ እቲ ብዙሕ ዝልዓል ሓሳብ እቲ ናይ ኢንቨስትመንት መሬት ብትኽክል ናይ #ኣላሙዲን ድዩ ዝብል እዩ። ናይዚ መረጋገፂ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን "ናይ ኣላሙዲን" ኢና ናብ ስራሕ ክንኣትው ኢና ኢሎም ዝመፁን ብውሱን መልክዑ ንምልማዕ ዝሞከሩ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ #ሰባት መሽነሪ ማለት ውን #ትራክተር ካብተራ ገባር ተካርዮም ንምልማዕ ሻማ ሻማ ዝብሉ ኣለው። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ካብቲ መሬት ሰለስተ ርባዕ (3/4th) ገለ ሰበ-ስልጣናትን #ኣላሙዲ "ዘቐመጦም" ስራሕ መካየድቲን ብሽርክና ኾይኖም ኽረምቲ ብሄክታር ነቲ ገባር እናካረዩ ይጉሕምጩዎ ነይሮም እዩም። ነዚ እዩ እቲ መሬት ብትኽክል ናይ ኣላሙዲን ድዩ ኢልካ ክትሓትት ዝገብረካ። ካሊእ ሓደ እዋን ክልል ኣብ ዘዳለዎ ናይ #ኢንቨስትመንት መድረኽ ዝተሳተፈ ናይ መሬት ምምሕዳር #ሰራሕተኛ ኣብቲ መድረኽ "እቲ መሬት ብትኽክል ናይ መን እዩ? ብትኽክል ኣላሙዲን ይፈልጦ ድዩ? ኢሉ ሕቶ ዘቅረበ እንትኾን ዝተወሃቦ ምላሽ ድማ ነቲ ሕቶኡ ዘጠናኽርን ከም ክልል ውን ዝተቐበለዎን እዩ ነይሩ። ሐዚ ውን ከም ምምሕዳር ወረዳ ጨርጨር #ኣልሚኮ_ኣላሙዲ ኣብ ልምዓት ከምዘየለ 50% #ንክምንጠል ብምውሳን ናብ ዞባን ክልልን ሪፖርት ገይሮም ኣዩም።።ኣብቲ ከባቢ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ ውልቀ-ሰባት ዝፃወቱሉ ዘለዉ፣ ተመሊሱ ናይ ሓድነትና ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ መሬት መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ራያ ኣብ መሬት ዝተፈፀመ ማእለያ ዘይብሉ ጌጋ፣ በደል ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ። ኣላሙዲ ብርክት ዝበሉ ኣማኢት ሄክታራት መሬት ተሸንሺኑ ዝተዓደሎ ፣ ኣብ መሬት ጥር ትብል ኢንቨስትመንት ከይገበረ ኮፍ ኢሉ ክራይ ዝእክቡ ዘለው ማፀይቲ ደም መሬቶም ተሓዲጉ ንመናእሰይ እቲ ኸባቢ ክዕደል ይግባእ። መንግስታዉን ውድባውን መሓውር ከምድሌቶም ዘሽከርክሩ ገባሪ ሓዳገቲ #ጉጅለታትን ወልቀሰባትን ተሓራሲ መሬት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ #ህዝቢ እናወረሩ #መንእሰይ ሰኣን መሬት ኣብ ሕሱም ድኽነት ንኽነብርን ኣደዳ ስደትን መከራን ንክኾን ይገብሩ ኣለው። #መሬት_ንህዝቢ ርሑስ በዓል #ፋሽጋ ንክኾነልኩም ይምነ!! ብ Desye Ashenafi

May 5, 2024 1.1K 2 1