ሓባራዊ መግለፂ: ፃውዒት ምክልኻል ዳግማይ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘስካሕክሕ ፅንተት ካብ ዝፍፀም ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዋላኳ እንተሃለወ፣ ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ናብ ኲናትን ግጭትን ከይኣቱ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን እናነበረ ይርከብ። መልእኽትና: - ሐዚ'ውን ኩሎም ወገናት ናብ ግጭትን ኲናትን ከይኣትዉ ብምግባር ኣብ ዙርያ ጠረቤዛ ዘተ ሰላም ንከካይዱ ንላቦ - መንግስቲ ፌዴራል በጀት ናብ ትግራይ ንክልእኽን መሃያ ሰራሕተኛታት ንክኽፈልን ንፅውዕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ መሃይኡን መዋጮታትን ምሉእ ናይ ምውሳን መሰሉ ክሕሎ ንላቦ - መድሓኒት፣ ሕክምናዊ ናውቲ፣ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን፣ ካልኦት መሰረታዊ ነገራት ናብ ትግራይ ንክለኣኽ ንፅውዕ - ህዝቢ ትግራይ ኲናት ብሓባር ብማንም ኣካል ዝግበር ፃውዒትን ምድላዋትን ኲናት ነፂጉ ሰላሙ ንክዕቅብ ንፅውዕ - ኣብ ትግራይ ሕጊን ስርዓትን ንክሰፍን ናይ ሰላም፣ ፀጥታን ፍትሕን መዋቕራት ንህዝቢ ብዘይ ኣድልዎ ከገልግላ ንሓትት - ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ትግራይ ናብ ዳግማይ ኲናት ንከይትኣቱን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብተፈራረምቲ ኣካላት ንክትግበር ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ፣ ከምኡ'ውን ዓለምለኸ መንግስታትን ፀቕጢ ንክገብሩ ንላቦ። ሰላምን ርግኣትን ንህዝቢ ትግራይ! ለካቲት 30, 2018 ቅድሚያ ንሰብኣዊ መሰላት (HRF) ድምፂ ዲሞክራሲን ማሕበራዊ ፍትሕን (Voice) ስምረት ተጋሩ ንናፅነትን ሓርነትን ሰረት ሲቪል ማሕበረሰብ (SERET) ጎርዞ ምንቅስቓስ ንብቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ይኾኖ: ምንቅስቓስ ኣንፃር ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ኢትዮ - መተኣላለሺ ዝጠፍኡ ሰባት ኣምብሬላ ፎር ዘ ኒዲ
ሓባራዊ መግለፂ: ፃውዒት ምክልኻል ዳግማይ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘስካሕክሕ… — ጎርዞ - Gorzo — TG.ME
March 9, 2026 65