ቴሌግራም ምስ ኢለን መስክ(xAI) አብ ዙርያ አርቴፊሻል ኢንተለጀስ ሓቢሮም ንምስራሕ ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ስምምዕነት ገይሮም።
ቴሌግራም፡ ነቲ Grok ዝበሃል ቻትቦት AI ኣብ'ቲ ኣፕሊኬሽን ንምውህሃድ፡ ምስ xAI ናይ ኢለን መስክ መሰረታዊ ስምምዕ ገይሩ። እዚ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ስምምዕ፡ ጥረ ገንዘብን ኣክስዮንን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ቴሌግራም ድማ ካብቲ ብምዝገባ ዝርከብ ኣታዊ 50% ክወስድ እዩ።
መስራቲ ቴሌግራም ፓቬል ዱሮቭ ከምዝበሎ፡ Grok፡ ካብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕ ጀሚሩ ከም message summaries፣ smart repliesን ካልኦት ግልጋሎታትን ንተጠቀምቲ ከቕርብ እዩ።
Grok ዝተብሃለ አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ቅድሚ ኣዋርሕ ብኤለን መስክ ዝተለቀቀ ኮይኑ ናብ ቴሌግራም ድሕሪ ምምፅኡ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ናይ ቴሌግራም ፕሪሚየም ተጠቀምቲ ጥራሕ እናረከቡ ይርከቡ። ኣብ ዝቅፅሉ ኣዋርሕ ድማ ኩሎም ናይ ቴሌግራም ተጠቀምቲ እቲ ግልጋሎት ክረኽቡ ትፅቢት ይግበር ።
For more Tech Tips please subscribe 👇 https://www.youtube.com/@banatechnologies
#Grok #TelegramAI #MuskTech #TechTalk #AIChatbot #xAI #AI #TechNews #banatech

1July 6, 2025 1.2K 1