ቴሌግራም ኣካውንትኩም "ሃክ" (Hack) ከይግበር ክትገብሩዎ ዝግባእ ዝለዓለ ናይ ድሕነትን ብሕታዊነትን (Security and Privacy) ደረጃ። 1️⃣. ናይ ዲቫይስ ፓስኮድ (Device Passcode) ተጠቐሙ። ዝኾነ ሰብ ቴሌፎንኩም ኣልዒሉ ዝተላኣኣኽኩምዎ መልእኽቲ (Message) ምእንቲ ከይርኢ ወይ ቴሌግራም ዝሰዶ ናይ ሚስጢር ቁጽሪ ከይረክብ፡ ንስኹም ጥራይ እትፈልጡዎ ናይ ሚስጢር ቁጽሪ ይሃሉኹም። እዚ ንምስትኽኻል፡ Settings - Privacy and Security - Passcode 2️⃣. 2-step verification ተጠቐሙ። 2-step verification ዘይጥቀም ሰብ "ሃክ" ናይ ምግባር ዕድሉ ልዑል እዩ። Settings - Privacy and Security - 2-step verification ብምእታው "On" ግበሩዎ። ምናልባት "ሃክ" እንተተገይርኩም ኣካውንትኩም መሊስኩም ንምርካብ Recovery Email ምምላእ አለኩም። 3️⃣. ካብ 2 ንላዕሊ ዲቫይስ (Device) ሎግ-ኢን (Login) ኣይትግበሩ። ሎግ-ኢን ዝገበርኩምሉ ዲቫይስ ብዝወሰኸ ቁጽሪ "ሃክ" ናይ ምግባር ዕድልኩም ይውስኽ እዩ። ስለዚ Privacy and Security - Devices ብምእታው እቶም ዝተዘርዘሩ ዲቫይሳት Terminate Sessions እናገበርኩም ኣጉድልዎም። 4️⃣. ብዴስክቶፕ (ኮምፕዩተር) ክትጥቀሙ ከለኹም ኦፊሻል (Official) ናይ ዴስክቶፕ ሶፍትዌር ተጠቐሙ እምበር ዌብ (Web) ላይ ኣይትጠቐሙ። 5️⃣. ካብ ኦፊሻል (Official) ናይ ቴሌግራም ኣፕሊኬሽናት ወጻኢ ሰብ ኣብ ዝሰደደልኩም ሊንክ (Link) ሎግ-ኢን (Login) ክትገብሩ ኣይትፈትኑ። 6️⃣. ናይ ቴሌግራም ኣድራሻኹም ንሰባት ክትህቡ ከለኹም ዩዘር-ኔም (Username) ወይ ናይ ኣካውንትኩም QR-Code ሼር (Share) ግበሩ እምበር ናይ ተሌፎን ቁጽሪ ኣይትሃቡ። 7️⃣. ንዘይትፈልጡዎን ንዘይትኣምኑዎን ሰብ ስእልኹም፣ ናይ ድምጺ መልእኽቲ (Voice Note) ከምኡ ውን ካልኦት ሚስጢራዊ ዝኾኑ ሓበሬታታት ብፍጹም ክትሰዱ የብልኩምን። ግድን ክትሰዱ እንተለኩም ውን ብ Secret Message ወይ Self Destruct (እቲ ዝተላእከሉ ሰብ ሓደ ግዜ ምስ ረኣዮ ዝጠፍእ) መልእኽቲ ስደዱ። 8️⃣. ናይ ቴሌፎንኩም ስታተስ ባር (Status bar) ላይ ኖቲፊኬሽን (Notification) ምእንቲ ከይረአ "Off" ግበሩዎ። 9️⃣. ኣብ መወዳእታ ናይ Privacy settings በዚ ዝስዕብ መልክዕ ኣስተኻኽሉ። Phone number - Nobody Last seen & online - My contacts Profile photos - My contacts Forwarded message - Nobody Calls - My contacts Group & channels - My contacts 1️⃣0️⃣. ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ናብ ኣካውንትኩም ከይኣተኹም እንተቀኒኹም፡ ብባዕሉ ዴሊት (Delete) ከይከውን እቲ ዝጠፍኣሉ ግዜ ኣናውሕዎ። እዚ ንምግባር፡ Settings - Privacy and Security - Delete my account - (ዘሎ ዝለዓለ ግዜ ወይ 1 Year/24 months) ምረጹ።
ቴሌግራም ኣካውንትኩም "ሃክ" (Hack) ከይግበር ክትገብሩዎ ዝግባእ ዝለዓለ ናይ ድሕነትን ብሕታዊነትን… — Amon Infotainment — TG.ME
December 2, 2025 100 1