ቴሌግራም ኣብ ዓውዲ AI ሓድሽ ነገር ሒዘ መጺኤ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ። መስራትን ዋና ሓላፊን ቴሌግራም ዝኾነ ፓቨል… — Amon Infotainment — TG.ME

ቴሌግራም ኣብ ዓውዲ AI ሓድሽ ነገር ሒዘ መጺኤ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።

መስራትን ዋና ሓላፊን ቴሌግራም ዝኾነ ፓቨል ዱሮቭ፡ Cocoon (Confidential Compute Open Network) ዝተሰምየ Decentralized AI network (ዘይተማእከለ ናይ AI መርበብ) ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ Ton Blockchain ዝሰርሕ እዩ።

ነዚ ብሓጺሩ ክገልጸልኩም፦

ሓደ ዲቨሎፐር (ማዕበሊ) ብ-AI ዝሰርሕ ፕሮጀክት እንተሰሪሑ፡ ነዚ ፕሮጀክት ንምጅማር (launch ንምግባር) ልዑል ዓቅሚ ዘለዎ GPU የድልዮ።

ነዚ ካብ AWS, Google Cloud ወይ Azure ንምክራይ 1ይ ዋጋኡ ክቡር እዩ። 2ይ ድማ እቲ ሓበሬታ (data) ኣብ ኢድ እቶም ዘቅርቡ አካላት (AI service provider) ይኣቱ። እዚኦም ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ነዚ ሓበሬታ ሞዴላቶም ንምልምማድ (train ንምግባር) ይጥቀሙሉ እዮም።

ስለዚ ብ-Cocoon system፡ ሓደ ጽቡቕ GPU ዘለዎ ኮምፕዩተር ዘለዎ ሰብ፡ ነዚ ኮምፕዩተሩ ብምክራይ Ton ይኽፈሎ። እቲ ዲቨሎፐር እውን ብሕሱር ዋጋን ውሕስነት ብዘለዎ (secure ብዝኾነ) መንገዲን GPU ይረክብ ማለት እዩ። ነዚ ዘራኽቦ ሲስተም Cocoon ክኸውን ከሎ፡ ዝሰርሕ ድማ ብ-Ton Blockchain ኣቢሉ እዩ ማለት እዩ።

GPU owners mine TON by powering the network: GPU ዘለዎም ሰባት ነቲ ኔትወርክ ሓይሊ ብምሃብ TON ይረኽቡ (Mine ይገብሩ)።
App developers plug into low-cost AI compute: ናይ ኣፕ ዲቨሎፐራት ብሕሱር ዋጋ ናይ AI ዓቅሚ (compute) ይረኽቡ።
Users enjoy AI with full privacy and confidentiality: ተጠቀምቲ ብምሉእ ውልቃዊ ሓለዋን ምስጢራውነትን AI ይጥቀሙ።
Telegram fuels demand and hype for Cocoon: ቴሌግራም ን-Cocoon ጠለብን ዕላላን (hype) ይፈጥረሉ።

ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ Cocoon.org ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
December 2, 2025 85