ምፍልላይ ብጣዕሚ ይፈርሕ ኔረ።ምስንብባት ይፀልእ ኔረ።ነገራት ከብቅዑ ምግባር ይፀልእ ኔረ። እዞም ነገራት ወይለ ሰባት ካብ ህይወተይ ድሕሪ ምውፅኦም ክንደይ ዝኣክል ክጎድኣኒ ሃምልክእል እንትሓስብ ብጣዕሚ ይፈርሕ ኔረ። ብውሽጠይ ብዙሓት "ታይ ተትኮን ኔሩ?" እና "ታይ ክኮን ይክእል ኔሩ?" ዝብሉ ሕቶታት ኔሮምኒ፤ ኣብ ህይወተይ ምሉእ ላተሰሓሓትኩዎ ነበርኩለ ኣብዚ እዩ — ኩሉ ነገር ብምፍረሐይ። ሕዚ ግን ተረዲኢኒሎ። ሓደ ነገር እንተብቅዕ ብምክንያት እዩ።ሓደ ነገር ከይተሳክዐ እንትተርፍ፣ ዘይተሳክዕ ብምክንያት እዩ። ትፈልጡ ዶ? ምርሓቅ ልባዕሉ ሃመይ ደስ ልብል ምኳኑ። ብፍላይ ንነዊሕ እዋን ሙጭጭ ኢሎም ድሕሪ ምሓዞም:: እናጎድኡኩም ዝነበሩ ነገራት ክለቁ እዮም።ኣብ ምንም ዘየብፅሑኩም ነገራት ክለቁልኩም እዮም። ሰላምኩም ዘስእኑኩም ነገራት እውን ይለቁ። ኣብዚ ከይዲ ውሽጢ ግን ትዕግስቲ ግበሩ።ደድሕሪ ካብ ሕድሕድ ትዕግስቲ ምዕሩጋት ነገራት ምፍጣር ክጅምሩ እዮም። 🗣 ብሩክ መዓልቲ 🤗 © Mr Øfflínè ✍ ቻናልና Join ግበሩ👇👇 ✅ @MrofflineQuotes ✅ @MrofflineQuotes
June 30, 2025 115